ብዛዕባ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ

ኣብ ኖርወይ ተመሃራይ 10ይ ክፍሊ ምስ ወደአ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ክመሃር መሰል ኣለዎ። ኣብ ኖርወይ እንድሕር ሓጺር ጊዜ ጌርካ፣ብቀዳምነት መእተዊ ትምህርቲ ክትወስድ ይምረጽ። እዚ ድማ ኣብ መብዛሕትአን ኣውራጃታት ኖርወይ ይስረሓሉ። ኣብዚ መእተዊ ትምህርቲ ቋንቋ ኖርወጂያንን ስነ ፍልጠትን ትመሃር።ስለዚ እዚ ትምህርቲ ኣብ ካልኣይ ደርጃ ትምህርቲ ከይበርተዓካ ንክትመሃር ክትመልኮን ኣዝዩ ሓጋዚ ኢዩ።

ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ክትመሃር ክትሓትት ከሎኻ፣ ክትመሃሮ ትደሊ ዓይነት ትምህርቲ ክትመርጽ ኣሎካ።እዚ ድማ 5 ናብ ላዕላዋይ ደረጃ ትምህርቲ ዝቅጽል ትምህርቲን 8 ናይ ሞያ ትምህርቲ ፣ብጠቕላላ 13 ተፈላለየ ዓይነት ትምህርቲ ኣሎ። ብዝበለጸ ብዛዕባ ተፈላለየ ዓይነት ትምህርታት ኣንቢብካ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል።

vilbli.no