ብዛዕባ ስኩለካሳ

ድሕረ ባይታ

ስኩለካሳ (Skolekassa.no) ኣብ የካቲት 2016 ኢዩ ተመስሪቱ። ክፍሊ ትምርቲ ንሓተቲ ዑቕባን ንብሕጊ ትምርቲ ኖርዌይ ናይ ምምሃር መሰል ደለዎም ስደተኛታትን ድኸውን ምንጪ መምሃሪን መሳለጥያ ምህሮን ደለዎ ኤለክትሮናዊ በሪ ክኽፈት ወሲኑ። ብምኽንያት ገዚፍ ዋሕዚ ስደተኛታት ከኣ ስኩለካሳ ከም ደገፍ ነቲ ናይ ትምህርቲ ዕድል ኮይኑ ንኸገልግል ኢዩ ተመስሪቱ።

ቤት ጽሕፈት ሚንስትሪ ትምህርቲ ምስ ኦስሎመት ስቱርቢ ዩኒቨርሲቲ ( ኣቐዲሙ ዩኒቨርሲቲ ኦስሎን ኣከርሁስን ድነበረ) ከምኡውን ሃገራዊ ማእከል ንባህላዊ ብዙሕነታዊ ትምህርትን (NAFO) ብምትሕብባር ናይ ምምዕባሉ ሓላፍነት ወሲዱ ይርከብ።

ናብ መን ድዓለመ
ስኩለካሳ ን ኣብ ኖርዌይ ሓጺር ግዜ ዝተቐመጡን ቋንቋ ኖርዌይ ከም ካላኣይ ቋንቋ ድወስድዎ ተመሃሮን ዕላማ ድገበረ ኢዩ። ስኩለካሳ ምስ ድተፈላለየ ዕድመ፣ ድሕረባይታ፣ ቋንቋን ተሞኩሮን ደለዎም ቆልዑ ድሳነ ኢዩ።

ዕላማ ስኩለካሳ
ስኩለካሳ መተካእታ ነቲ ምሉእ ናይ ትምህርቲ ዕድል ኣይከውንን ኢዩ። ዕላማ ስኩለካሳ፣ ደገፍ ነቲ ናይ ትምህርቲ ዕድል ኮይኑ መታን ከገልግል፣ ኤለክትሮናዊ መሳለጥያ ምህሮን ምንጪ መምሃሪን ድሉው ምግባር ኢዩ። እቶም መምሃሪ ምንጪታት ተመሃሮ ኣብ ናይ ገዛ ዕዮ ወይውን ካልእ ምስ ትምህርቲ ድተተሓሓዙ ንጥፈታት ከም ኣብነት ሓገዝ ዕዮ ገዛን ወለንታዊ ትምህርቲ ቋንቋ ኖርዌይን ክትጥቀሙሎም ይከኣል ኢዩ። ስኩለካሳ ምንጪ መምሃሪ ካብ ኣማዕበልቲ መሳለጥያ ምህሮ፣ ኣሕተምቲ፣ ሃገራዊ ማእከልን ካልእን ይእክብ። ስኩለካሳ ከኣ ነቲ ምንጪ መምሃሪ ብሸውዓተ ድተፈላለየ ቋንቋታት የቕርቦ። እዚ መርበብ እዚ ከኣ ብቕጻሊ ብእዋናዊ ትሕዝቶ ክምዕብል ኢዩ።

ስኩለካሳ ብኸመይ ይሰርሕ
ስኩለካሳ Skolekassa.no እኩብ ናይ መሳለጥያ ምህሮን ምንጪ መምሃሪን ደለዎም ኣተሓሓዝቲ ኮይኑ ትሕዝትኡ ከኣ መምሃሪ ምንጪታት ናይ ኖሽክ፣ እንግሊዝ፣ ቁጽሪ፣ ጆግራፍን ስነፍልጠትን ኢዩ። እቶም ዓይነታት ትምህርቲ በብደረጃኦም ካብ ቀዳማይ ክሳብ ዓስራይ (1-10) ክፍሊ ድተመቓቐሉ ኢዮም። እብ ትሕቲ እቲ ዓይነት ትምህርቲ ከኣ ምስቲ ውጥን ምህሮ ናይ ነብሲ ወከፍ ዓይነት ትምህርቲ ድተሓሓዙ ድተመርጹ ኣገደስቲ ጽሑፋት ይርከቡ። ፉሩተን ኖሽክ (ብዘይካ ኖርዌጅያን) ምንጪ መምሃሪ ናይ ቋንቋታት ዓረብ፣ ዳሪ፣ እንግሊዝ፣ ኩርማንድጂ፣ ፓሽቶን ትግርኛን ኢዩ። እዞም ቋንቋታት እዚኣቶም ብብዝሒ ተዛረብቶም ካብቶም ክሳብ ሎሚ ደለዉ ምዝጉባት ስደተኛታት ኢዮም ተመሪጾም።
ስኩለክካሳ ብዝተኻእለ መጠን ነብሱ ድኸኣለ ክኸውን ካብ ድብል ስነሓሳብ ኢዩ ተሰሪሑ። ብድተኻእለ መጠን ብዙሕ ኣማራጺታት ኣብ ምንጪ መምሃሪ ክህሉ ከም ባህሪ ንመምህርን ወይ ኣካያዲ ስራሕን ሓደ ዓቢ ትርጉም ደለዎ ነገር ምጥጣሕ ኢዩ።

መእተዊ ናብ ስኩለካሳ – ፈይደ
ስኩለካሳ ብኽልቲኦም ማለት ነጻ ንኹሉ ክፉታት ድኾኑ ምንጪ መምሃሪን ፍቓድ ዘድልዮም ኮይኖም ነቶም ፍቓድ ደለዎም ጥራይ ክፉታት ድኾኑ መምሃሪ ምንጪታትን ድቖመ ኢዩ። ናብቶም ፍቓድ ዘድልዮም መምሃሪ ምንጪታት ንምእታው ተማሃሮ ግድን ናቶም ናይ ተጠቃሚ ፈይደ ብምጥቃም ኣብታ ኣብ ነብሲ ወከፍ ገጽ ናይ ስኩለካሳ ብንጹር ትረአ መእተዊ ጠዊቖም ክኣትዉ ኣለዎም።

ድሕሪኡ ናብቲ ቤት ትምህርቶም ፍቓድ ድገዝኣትሉ ምንጪ መምሃሪ መእተዊ ይረኽቡ። ንመርበብ ስኩለካሳ skolekassa.no ብኸመይ ከምትጥቀመሉ ዘርኢ ሓጺር ፊልም ንምዕዛብ ኣብዚ ጠውቕ።
ንኣጠቓቕማ ብፈይደ ምእታውን ናይ ተማሃራይ ኣድራሻ ንምስራሕን ድምልከት ሕቶ እንተደኣሃልዩ፣ ንናይቲ ቤት ትምህርቲ ወይ ናይቲ ምምሕዳር ናይ መርበብ በዓል ስልጣን ተወከስ። ተመሃሮ ምስቲ ናቶም ኣጠቓቕማ ፈይደ ድተሓሓዝ ብድሆታት እንተጋጢምዎም ከኣ መምህራንን ሰራሕተኛታት ናይቲ ቤት ትምህርትን እንተሓገዝዎም ጽቡቕ ኢዩ።

ውዕል ኣመስራሒ ዳታ (ሓበሬታ)
እዚ ውዕል እዚ፣ ንኣጠቓቕማ ናይቲ ኣመስራሒ ዳታ ኣብ ክንዲ እቲ ናይ ምምስራሕ ሓላፍነት ደለዎ ኣካል፣ ኣብ ውልቃዊ ሓበሬታታት ምእካብ፣ ምምዝጋብ፣ ምጥርናፍ፣ ምዕቃብ፣ ምልኣኽ ወይ ሕውስዋስ ናይዚኣቶም ደጠቓለለ ከምኡውን ኣጠቓቕማ ስኩለካሳ ብቐንዱ ድቆጻጸር ውዕል ኢዩ።

ተመሊኡ ድተወደአ ክፋል ናይ ውዕል ኣመስራሒ ሓበሬታ ንምውራድ ኣብዚ ጠውቕ።