ካብ 1ይ ክፍሊ ክሳዕ 4ይ ክፍሊ
Engelsk 1-2
ኣብቲ ናይ ቋንቋ እንግሊዝ ገጻት ናይ ተማሃሮ መስመር ተንቀሳቓሲ ስእልታት ክትርኢን ብዛዕባ ፊደላት እንግሊዝ ፣ ቃላት ፣ ሕሳብን ምንባብ ሓጸርቲ ጽሑፋትን ድማ ክትመሃር ትኽእል።
Engelsk 3-4
ኣብቲ ናይ ቋንቋ እንግሊዝ ገጻት ናይ ተማሃሮ መስመር ተንቀሳቓሲ ስእልታት ክትርኢን ብዛዕባ ህዝቢ ፣ እንስሳ ፣ ዓለም ፣ ጥዕናን ሜላታት ኣነባብራን ፣ ቀዳማይ ረዲኤትን ምንባብ ሕጸርቲ ጽሑፋትን ድማ ክትመሃር ትኽእል።
Starfall
ኣብዚ መደብ እዚ ፥ ናይ ክፍሊ ኣካላትካ (ኢድ፡እግሪ) ፣ ኣብ መሕጸቢ ኣካላት(ባኞ) ዝርከቡ ፣ ኣብ ክሽነ ዝርከቡ ፣ ናይ እትፈትዎም እንስሳታት፣ ናይ እትጻወተሎም ነገራት ፣ቃላት ክትምሃር ትኽእል።
ካብ 5ይ ክፍሊ ክሳዕ 7ይ ክፍሊ
Engelsk 5-7
ኣብቲ ናይ ቋንቋ እንግሊዝ ገጻት ናይ ተማሃሮ መስመር ተንቀሳቓሲ ስእልታት ክትርኢ ከምኡውን ብዛዕባ ንሕና መን ሙዃንና ፣ ብዛዕባ ምድሪን ነገራት ከመይ ከምድሰርሑን ምንባብ ሓጸርቲ ጽሑፋትን ክትመሃር ትኽእል።
LearnEnglish Kids
ኣብዚ መደብ እዚ፦ ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ ንቆልዑ ይርከብ። ጸወታታት(ግጥማት)፣ መዛሙር፣ ዛንታታት፣ ከምኡ ድማ ንጥፈታት ። ን 5 -7 ክፍሊ።