ካብ 1ይ ክፍሊ ክሳዕ 4ይ ክፍሊ

Matematikk 1-4
ኣብቲ ናይ ሕሳብ ወይ ቁጽሪ ገጻት ናይ ተማሃሮ መስመር ተንቀሳቓሲ ስእልታት ክትርኢን ድተፈላለዩ ኣምራት ኣብ ቁጽሪ ከም ምቑጻር ፣ ምቕማር ምስ ምጉዳልን ምድማርን ከምኡውን ካልእ ነገራት ኣብ ቁጽርን ክትማሃር ትኽእል።

NRK Super
ምስጢር ናይ ቁጽሪ -X (MK-X) ሓደ ናይ ቁጽሪ ፕሮግራም ንቆለውዕ ኣብ ዕድመ 6-7 ኮይኑ ከም ሓደ መምሃሪ ወይ ሓጋዚ ንቆልዑ ቅድሚ ቤት ትምህርቲ ምጅማሮም።

Tall og mengde – memoryspill
ታል ኦግ መንግደ- (ቁጽርን ትሕዝቶን) ብድተፈላለየ ቋንቋ ምቑጻር ተማሃር። እዚ ጽሑፍ ናብ ድተፈላለየ ቋንቋታት ተተርጒሙ ይርከብ።
ካብ 5ይ ክፍሊ ክሳዕ 7ይ ክፍሊ

Matematikk 5-7
ኣብቲ ናይ ሕሳብ ወይ ቁጽሪ ገጻት ናይ ተማሃሮ መስመር ተንቀሳቓሲ ስእልታት ክትርኢ ከምኡውን ብዛዕባ ኣሃዛት ፣ ምምስሳላት ፣ ጂኦሜትሪ ፣ ዓቐን ፣ ስታትስቲክን ወይ ኣሃዛዊ ገምጋምን ተኽእሎታትን ክትመሃር ትኽእል።
ካብ 8ይ ክፍሊ ክሳዕ 10 ክፍሊ

Tospråklig matematikk 8-10
ኣብቲ ድርብ ልሳናዊ ናይ ቁጽሪ ገጻት ናይ ተማሃሮ መስመር ብዙሓት ተንቀሳቓሲ ስእልታት ክትርኢ ትኽእል። ብዛዕባ ኣሃዛት ፣ ጉዚ ፣ ሚእታዊት ፣ ኣልጅብራ ፣ ተመሳሳልነትን ፎርሙላታትን ፣ ዓቐን ፣ ጂኦሜትሪ ፣ ግራፍን ተዛምዶን ፣ ፣ስታትስቲክ ፣ ተኽእሎታትን ቁጠባን ክትመሃር ትኽእል። ኣብቲ ዝርዝር ምርጫ ካብ መንጎ ኖስክ (ቡክሞል) ፣ ዓረብ ፣ ዳሪ ፣ ፓሽቶ ፣ ኩርማንድጂን ትግርኛን ክትመርጽ ትኽእል።