ንመምህር

ስኩለካሳ እንታይ ኢዩ?

ኣብ ስኩለካሳ skolekassa.no ነቶም ኣብ ኖርዌይ ሓጺር እዋን ድተቐመጡ ተባሂሎም ድተሰርሑ ብዙሓት ምንጪ መምሃሪታት ንረክብ። እቲ ኣብዚ ንረኽቦ ሓሳብ፣ ስኩለካሳ ብዝተኻእለ መጠን ነብሱ ድኸኣለ ክኸውን ከምኡውን ነብሲ ወከፍ ተማሃራይ ክጥቀመሉ ክኽእልን ኢዩ።  ብድተኻእለ መጠን ብዙሕ ኣማራጺታት ኣብ ምንጪ መምሃሪ ክህሉ ከም ባህሪ ንመምህር ሓደ ዓቢ ትርጉም ደለዎ ነገር ምጥጣሕ ኢዩ።

መእተዊ ናብ ስኩለካሳ – ፈይደ

ስኩለካሳ ብኽልቲኦም ማለት ነጻ ንኹሉ ክፉታት ድኾኑ ምንጪ መምሃሪን ፍቓድ ዘድልዮም ኮይኖም ነቶም ፍቓድ ደለዎም ጥራይ ክፉታት ድኾኑ መምሃሪ ምንጪታትን ድቖመ ኢዩ። ናብቶም ፍቓድ ዘድልዮም መምሃሪ ምንጪታት ንምእታው ተማሃሮ ግድን ናቶም ናይ ተጠቃሚ ፈይደ ብምጥቃም ኣብታ ኣብ ነብሲ ወከፍ ገጽ ናይ ስኩለካሳ ብንጹር ትረአ መእተዊ ጠዊቖም ክኣትዉ ኣለዎም።

ድሕሪኡ ናብቲ ቤት ትምህርቶም ፍቓድ ድገዝኣሉ ምንጪ መምሃሪ መእተዊ ይረኽቡ።

ንመርበብ ስኩለካሳ skolekassa.no ብኸመይ ከምትጥቀመሉ ዘርኢ ሓጺር ፊልም ንምዕዛብ ኣብዚ ጠውቕ።

ንኣጠቓቕማ ብፈይደ ምእታውን ናይ ተማሃራይ ኣድራሻ ንምስራሕን ድምልከት ሕቶ እንተደኣሃልዩ፣ ንናይቲ ቤት ትምህርቲ ወይ ናይቲ ምምሕዳር ናይ መርበብ በዓል ስልጣን ተወከስ። ተመሃሮ ምስቲ ናቶም ኣጠቓቕማ ፈይደ ድተሓሓዝ ብድሆታት እንተጋጢምዎም ከኣ መምህራንን ሰራሕተኛታት ናይቲ ቤት ትምህርትን እንተሓገዝዎም ጽቡቕ ኢዩ።

ስኩለካሳ ንመን ኢዩ ተዳልዩ?

ስኩለካሳ ን ኣብ ኖርዌይ ሓጺር ግዜ ዝተቐመጡን ቋንቋ ኖርዌይ ከም ካላኣይ ቋንቋ ድወስድዎ ተመሃሮን ዕላማ ድገበረ ኢዩ። ስኩለካሳ ምስ ድተፈላለየ ዕድመ፣ ድሕረባይታ፣ ቋንቋን ተሞኩሮን ደለዎም ቆልዑ ድሳነ ኢዩ።

ገሊኦም ኣብ ዓዶም ጽቡቕ ናይ ትምህርቲ ዕድል ድረኸቡ ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም ካልኦት ከኣ ናይ ትምህርቲ ድሕረባይታ ደይብሎም። እዚ ማለት ከኣ ገሊኦም ጽቡቕ ናይ ዓይነታት ትምህርቲ ዓቕሚ ክህልዎም ከሎ እቶም ካልኦት ከኣ ምጽሓፍን ምንባብን ጌና ደይተማህሩ ማለት ኢዩ። ገሊኦም ነዚ ናይ ላቲን ፊደላት ይፈልጥዎ ኢዮም፣ ገሊኦምዉን ጽቡቕ ናይ እንግሊዝ ፍልጠት ክህልዎም ይኽእል። ስለዚ ስኩለካሳ ከኣ ንኹሎም ገለ ከበርክት ድኽእል ዕድል ክኸውን ተስፋ ንገብር።-

ብዛዕባ ትሕዝቶ ስኩለካሳ

ስኩለካሳ ሓሙሽተ ዓይነታት ትምህርቲ ኖሽክ፣ እንግሊዝ፣ ቁጽሪ፣ ጆግራፍን ስነፍልጠትን ደጠቓለለ ኢዩ። እቶም ዓይነታት ትምህርቲ በብደረጃኦም ካብ ቀዳማይ ክሳብ ዓስራይ (1-10) ክፍሊ ድተመቓቐሉ ኢዮም። እብ ትሕቲ እቶም ዓይነታት ትምህርቲ ከኣ ምስቲ ውጥን ምህሮ ናይ ነብሲ ወከፍ ዓይነት ትምህርቲ ድተሓሓዙ ድተመርጹ ኣገደስቲ ጽሑፋት ይርከቡ።
ፉሩተን ኖሽክ (ብዘይካ ኖርዌጅያን) ምንጪ መምሃሪ ናይ ሽዱሽተ ድተፈላለዩ ቋንቋታት (ዓረብ፣ ዳሪ፣ እንግሊዝ፣ ኩርማንድጂ፣ ፓሽቶን ትግርኛን) ኢዩ። እዞም ቋንቋታት እዚኣቶም ካብቶም ክሳብ ሎሚ ደለዉ ምዝጉባት ስደተኛታት ብብዝሒ ተዛረብቶም ኢዮም ተመሪጾም። ቋንቋ እንግሊዝ ከኣ ገሊኦምውን ብሓጎስ ክጥቀምሉ ይኽእሉ ኢዮም ካብ ደብል ሓሳብ ከምተወሳኺ ተመሪጹ ይርከብ። ኣብ ገሊኦም ቋንቋታት (ብፍላይ ፓሽቶ፣ ኩርማንድጂን ትግርኛን) ውሑድ ናይ መምሃሪ ምንጭታት ክትርኢ ኢኻ።

ገለ ካብቶም ናይ ቋንቋ ኖርዌይ ጽሑፋት ነቶም ቋንቋ ኖርዌይ ከም ካላኣይ ድወስድዎ ተማሃሮ ተባሂሎም ድተዳለዉ ኢዮም። ገሊኦም ምንጭታት ብብዙሕ ቋንቋታት ኢዮም ገሊኦም ከኣ ድረአ መሳለጥያ ምህሮ ኣለዎም።

ስኩለካሳ ብኸመይ ንጥቀመሉ?

ዋላኳ እቶም መምሃሪ ምንጭታት ብድተኻእለ መጠን ነብሶም ድኸኣሉ ክኾኑ ብዝብል ሓሳብ እንተተመርጹ፣ ገለ ነቶም ተጠቀምቲ ድመርሕ ኣካል ክህሉ ግን ዓቢ ሓገዝ ኢዩ። ስለዚ ኢዩ ከኣ እቶም ኣብ መቐበሊ ስደተኛ ወይ ኣብ ናይ መእተዊ ዕድል ከም መህራን ድሰርሑን ሰራሕተኛታት ምስ ስኩለካሳ ክላለዩን ነቶም ኣብኡ ደለዉ ምንጪ መምሃሪ ክመራመሩሎምን ጽቡቅ ድኸውን።

ኣብ መቐበሊ ስደተኛታት ትሰርሕ እንተድኣ ኮንካ፣ ከምኡውን ንሓደሽቲ ድመጹ ቆልዑን መንእሰያትን ኣብ ኣጠቓቕማ ስኩለካሳ ናይ ምምራሕ ኣጋጣሚ እንተድኣ ሃልዩካ፣ እቶም ኣብዚ ደለዉ ምንጪ መምሃሪ ክትፈልጦም ጽቡቕ ኢዩ። ድከኣል እንተኾይኑውን ተማሃሮ፣ የሕዋትን ወለድን ነቶም ዕዮታት ክመራመርሎምን ክዝትዩሎምን፣ ፍታሕን ተኽእሎታትን ብሓባር ክረኽቡሎምን ጽቡቕ ኢዩ። እቶም ቆልዑን መንእሰያትን ብቋንቋ ኣዲኦም ወይ ብኻልእ ድመልክዎ ቋንቋ ክመያየጡን ሓሳባቶም ክገልጹን ዕድል እንተረኺቦም፣ እዚ ንኽርድኡ፣ ክመሃሩ፣ ከምድኻኣልዎ ክስመዖም ከምኡውን ሓዲሽ ዕዮታት ንኽሰርሑ ዝያዳ ህንጡይነት ከሕድሩን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ኣለዎ።
ስኩለካሳ Skolekassa.no ንመስርሕ ምስትምሃር ደገፍ ከኸውን ይኽእል ኢዩ። ቅድም ቀዳድም እቲ ንመምህር ዘድሊ ነገራት ምጥጣሕን መስርሕ ምስትምሃርን ኢዩ ኣገዳሲ።

ሓደ ቋንቋ ኖርዌይ ደይክእል ተማሃራይ ወይ ከኣ ኣብ ቋንቋ ኖርዌይ ድኽም ድበለ ዓቕሚ ደለዎ፣ ኣብ ትምህርቲ ቋንቋ ኖርዌይ ጥጡሕ ዕድል ክህልዎ ኣለዎ። ተማሃራይ ናይ መጀመሪ ትምህርቲ ዕድል ይወሃቦ ኣይወሃቦ ብዘየገድስ፣ ንፍሉይ ትምህርቲ ቋንቋ መሰል ክህልዎ ይኽእል። እቲ ወናኒ ቤት ትምህርቲ ባዕሉ ብእኩብ፣ ብኽላስ ወይ ብመልክዕ መጀመሪ ትምህርቲ ድተወደበ ፍሉይ ናይ ትምህርቲ ዕድል ኢዩ ክህብ ዝደሊ ክመርጽ ይኽእል።

ፍሉይ ትምህርቲ ቋንቋ ማለት ኣጠቓላሊ መጸውዒ ናይ ፍሉይ ትምህርቲ ቋንቋ ኖርዌይ፣ ትምህርቲ ቋንቋ ኣደን ድርብ ልሳናዊ ትምህርትን ኢዩ። ፍሉይ ትምህርቲ ቋንቋ ኖርዌይ ማለት ድሓየለ (ድጸዓቐ) ትምህርቲ ኣብ ቋንቋ ኖርዌይ ኢዩ። ትምህርቲ ብቋንቋ ኣደ ከኣ እቲ መስርሕ ምስትምሃር ብቋንቋኻ ክኸዉን ከሎ ድርብ ልሳናዊ ትምህርቲ ከኣ ተማሃራይ ኣብ ሓደ ወይ ብዙሓት ዓይነታት ትምህርቲ ብኽልተ ቋንቋታት ይመሃር ማለት ኢዩ። መሰል ፍሉይ ትምህርቲ ቋንቋ ብመልክዕ ንጽል ውሳነ ኢዩ ድወሃብ፣ ክሳብ እቲ ተማሃራይ ነቲ ልሙድ ትምህርቲ ከከታትሎ ደኽእል ብቑዕ ዓቕሚ ቋንቋ ኖርዌይ ድህልዎ ከኣ ይቕጽል።
ብዛዕባ ፍሉይ ትምህርቲ ቋንቋን ብሓፈሻ ብዛዕባ ሕግታት ተማሃሮ ውሑዳን ቋንቋታትን ኣብ መርበብ ኢንተርነት ናይ ቤት ጽሕፈት ሚንስትሪ ትምህርቲ ብዝያዳ ከተንብብ ትኽእል።

መሰል ን ፍሉይ ትምህርታት ቋንቋ ኣብ ሕጊ ትምህርቲ
§§ 2-8 መሰረታዊ ትምህርትን 3-12 ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርትን ተሰሪዑ ይርከብ። ሓደሽቲ ድመጹ ተማሃሮ ጥርኑፋት ጉጅለ ኢዮም። እቲ ኣቀራርባ ምስ ነብሲ ወከፍ ተማሃራይ ከምድሳነ ንምግባሩ ኣብ ድግበር ጻዕሪ፣ ተማሃሮ ኤለክትሮናዊ ምንጪ መምሃሪ ክጥቀምሉ ምስድኽእሉ ኣርባሒ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

ንስኻ ከም መምህር ነዚ ኤለክትሮናዊ ምንጪ መምሃሪ ምስፈለጥካዮ፣ እቶም ተማሃሮውን ባዕሎምን መስ ወለዲ ኮይኖምን ነቲ ምንጪ መምሃሪ ብኸመይ ክረብሑሉ ከምድኽእሉ ክትሓስብ ትኽእል።

ብዙሓት ካብቶም ኣብ ስኩለካሳ ተኣኪቦም ደለዉ መምሃሪ ምንጭታት መምርሒ ንመምህር ኣለዎም።

ምኽሪ ንመምህር፣ ሓበሬታ ብዛዕባ ኣወዳድባ ናይ ዕድል መጀመሪ ትምህርቲ፣ ኣብነታት ካብ ምምሕዳራትን ቤት ትምህርታትን ኣብ መርበብ NAFO ብዛዕባ ሓደሽቲ መጻእቲ 6-16 ክትረክብ ትኽእል።

ኣብ መርበብ ኢንተርነት ቴማ ሙሽሞል መምሃሪ ምንጪታት ብድተፈላለየ ቋንቋታት ትረክብ። እቲ መርበብ ጽቡቕ ጽልዋ ደሕድርን ንኹሎም ተማሃሮ፣ መምህራንን ወለድን ከኣ ኣርባሒ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
ብዝተረፈ ብዛዕባ ትምህርቲ ብዙሕ ቋንቋ ድመልኩ
ቆልዑን መንእሰያትን እዋናዊ ሓበሬታ ክህልወካ ኣብ ገጻት መርበብ ኢንተርነት NAFO ረአ።